TGViewer
ASCENTIG | TIGRAY ASCENTIG | TIGRAY @ascentig · 1.7K subscribers
Post #3362 575
ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ

ቃልስና ንብሄራዊ ህልውና እዩ!

ከም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ገፅ ምድሪ ከጥፍአና ምስ ዝህንደድ ዘሎ ጀኖሳይደር ስርዓት ኢና ገጢምና ዝንሄና። ከም ህዝቢ ከይንበርስ ዓርስና ንከላኸል ኣለና። ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታትን ናይ ምሕዝነት ሓይሊታትን እውን ብተመሳሳሊ ናይ ህልውና ሓደጋ ገጢሙዎም ህልውናኦም ንምውሓስ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምሕዝነት ፈጢሮም ሓቢሮም ይቃለሱ ኣለዉ።

በዙይ መሰረት ድማ ሰራዊት ትግራይ ይኹን ሓይሊታት ምሕዝነት ብኹሉ ኣንፈት ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ኣለዉ። ብዝተለሙዎ ትልሚውን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዘተኣማምን ውቅዒት የዕርፉ ኣለዉ። ንዘላቒ ዓወትን ኩናት ብዘተኣማምን ደረጃ ንምዝዛምን ዘኽእሉ መሰረታዊ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ። ስለዝኾነውን ዝርዝር ወታደራዊ ዓወታትን ኩነታትን ብዝምልከቶም ኣካላት ብቐፃሊ እናተገለፀ ክኸይድ እዩ።

ብዝተኣሳሰረ ድማ ህዝቢ ትግራይን ኣሕዋት ህዝብታትን ካብ ናይ ዓንፃ ዓንፆን ዓይኒ ዕሙተይን ናይ ኣየር፣ ድሮንን ካልኦትን ደብዳባት ፀላኢ ዓርስኹም እናተኸላኸልኩም ቃልሲ ንብሄራዊ ህልውናና ናብ ሙሉእ ዓወት ንምብፃህ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ኩለ መዳይ ቃልስኹምን ድጋፍኩምን ክትቅፅሉሉ ይግባእ። ጅግና ተቓላሳይ ድያስፖራናውን ቃልስና ቀልጢፉ ንኽዛዘምን ህልውናና ብሙሉእነት ንኽረጋገፅን ከም ቀደምኩም ቃልስኹም ክተሐይሉ ይግባእ።

ካብዙይ ብተወሳኺ ፀላኢ ኣብ ባይታ ዝገጥሞ ዘሎ መስተንክራዊ ስዕረትን ህልቂትን ንምሽፋን ብስሩዓት ሚድያታቱን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ነጠፍቱን ብዝውዝዖ ዘሎ ኣብ ባይታ ዘየለ መደናገሪ ወረታት ከይተደናገርና ኣብ ጅግና ሰራዊትናን ሓይሊታት ምሕዝነትን ብምትእምማን ኩላትና በቢ ዘለናዮ ቃልስና ነሐይል።

ኣብ መወዳእታ ኣጋጢሙ ንዝነበረ ናይ ሓበሬታ ምቁርራፃት ይቕረታ እናሓተትና ብቐፃሊ ግን ብዝኸኣልናዮ ብስሩዓት ሚድያታትናን ካልኦት መማረፂታትናን ንህዝብና ዘድልዩ ሓበሬታታት ኮኑ መግለፂታት ከይተቖራረፁ ንኽውሕዙ ዝከኣለና ኹሉ ክንገብር ኢና።

ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!
ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ
19 መስከረም 2019
መቐለ

@AscenTig
  • 👍 4
More from @ascentig
  1. Sep 29, 2026♦️Private School in Mekelle Reportedly Hit by Drone Strike the genocidal Abiy Ahmed's regi…
  2. Sep 28, 2026♦️Reported Drone Strikes Hit Residential Areas in Mekelle as Civilian Casualties Rise in A…
  3. Sep 27, 2026♦️Tigray TV Studio Reportedly Hit by Drone A drone strike reportedly hit the Tigray TV (TT…
  4. Sep 26, 2026♦️CBE Mobile Banking Disrupted Across Tigray Customers with Commercial Bank of Ethiopia (C…
  5. Sep 24, 2026♦️Communications Blackout Hits Most of Tigray The Genocidal Abiy Ahmed regime has cut tele…
  6. Sep 24, 2026♦️Abiy Ahmed's Drone Hits IDP Shelter and Residencial Homes in Tigray The genocidal Abiy A…
Threads Profile ViewerView any public Threads profile without an account.Open ThreadLook →Writing with AI? Make it sound human.Metric37 rewrites AI drafts so they read naturally. Free AI detector, 1,500 words free.Try Metric37 →